1 of 22

መእተዊ ብዛዕባ

መስርሕ ዕቝባ ዩከይ(UK)

2 of 22

ኣብ ሃገርካ ኸይትስጐጕ ናብ ብሓቂ ፍርሒ እንተሃሊካ ኣብ ዩከይ(UK) ዕቝባ ክትጥይቅ ትኽእል ኢኻ።

እዚ በዚ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ

  • ዓሌት
  • ሃይማኖት
  • ዜግነት
  • ፖለቲካዊ ኣረኣእያ
  • ፍሉይ ማሕበራዊ ጕጅለ�ንኣብነት ጾታዊ ምእዘና ወይ ጾታ

መንግስትኻ ከዕቍበካ ከም ዘይክእልን ናብ ካልእ ክፋል ሃገርካ ብምኻድ ካብ ስግኣት ከተምልጥ ከም ዘይትኽእልን ከተርኢ ኣሎካ።

3 of 22

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መስርሕ ዕቝባ

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

ኣብዚ ጀምር

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

እቲ ጕዳይ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ እቲ ጥያቀ ሓንሳእ ክጸንሕ ጠይቅ

ካልእ ሃገር ትወስደካ እንተ ኾይና፣ ናብኣ ክትስደድ ትኽእል ትኸዉን ኢኻ

ጕዳይካ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) መዝግብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክሕግዘካ ድማ ንሓደ ሕጋዊ ተወካሊ ሕተቶ።

4 of 22

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ኣብ መእተዊ ወደብ ዕቝባ ክጥየቀሉ ዝከኣል ሒደት

  • እተፈላለየ ቦታታት ኣሎ፣ ኣብ ቤት
  • ማእሰርቲ ምስ በጻሕካ፣ እንድሕር
  • ኣብ ሓደ ናይ ዕቁባ ዝቅበሉ ኣሃዱ (Asylum Intake Unit) (AIU)፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ክፍሊ ምርመራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እንተ ተኣሲርካ

መንግስቲ ናይ ዕቝባ ጥያቀ ንምቅባል ካልእ ቦታታት ወይ ሰባት ክሸይም ይኽእል እዩ

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

5 of 22

እቲ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

እዚ እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ነቲ ዘቕረብካዮ ጥያቀ ብኸመይ ንቕድሚት ከም ዝስጕም ምእንቲ ኽፈልጥ ብሕታዊ ሓበሬታ ንምእካብ ዝግበር ሓጺር ቃለ መጠይቕ ኢዩ። ክትሕተት ኢኻ

  • ስምካ፣ ዜግነትካ፣ ዝተወለድካሉ ዕለትን ቦታን
  • ዓሌትካን ሃይማኖትካን
  • ኣባላት ስድራ ቤትካ
  • ዕቝባ ትጥይቀሉ ዘለኻ ምኽንያት
  • ናብ ዩከይ (UK) ዝገበርካዮ ጕዕዞ
  • ጥዕናኻ

ልዕሊ 5 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣሰር ኣጻብዑ ክውሰድ ኢዩ።

ኵሉ ንብረትካ ተማላእን መሕደሪ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ንገሮምን። እትበልዖን እትሰትዮን ገለ ነገር ውሰድ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

6 of 22

ልሙድ ኣሰራርሓ

ድሕሪ እቲ ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕካ እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ነቲ ዘቕረብካዮ ጥያቀ ብኸመይ ንቕድሚት ከም ዝስጕም ክውስን የድልዮ። �እዚ ኸኣ ልሙድ ኣሰራርሓ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዉሑድ ተኽእሎታት ኣሎ፥

  • ጥያቀካ ኣብኡ ከሎ ይምርምሩዎ
  • ያስሩኻን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለኻ ድማ ነቲ ጥያቀኻ ይምርምሩዎን
  • መሰነይታ ዘይብልካ ቆልዓ እንተ ኾይንካ፣ ከምኡ ገይሮም ርእዮምኻ ክዉስኑ፣ ወይ ከኣ ንዕድመኻ ክምገትዎ ይኽእሉ እዮም
  • ጕዳይካ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ፣ ካልእ ሃገር ነቲ ዘቕረብካዮ ጥያቀ ኽትምልከቶ ትኽእል እንተ ዄንካ እናገምገሙ ነቲ ዘቕረብካዮ ጥያቀ ከጽንሑዎ እዮም

እንታይ ደገፍ ክትረክብ ከም እትኽእል ዝያዳ ንምፍላጥ ብዛዕባ ደገፍ ዕቝባ እትገልጽ ቪድዮና ርአ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

7 of 22

ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ ሓበሬታ

ኣፈናዊ ሕቶ ሓበሬታ እንተ ተቐቢልካ፣ ነቲ ሕጋዊ ተወካሊኻ መሊእካ ኣብ ሰዓቱ ንኽትሰዶ ክሕግዘካ ክትሓቶ ኣሎካ።

እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ምስቲ ኣብ መመመዪን ኣብ መሰረታዊ ቓለ መጠይቓን ዝተዛረብካዮ ከነጻጽሮ እዩ። ሓቀኛ ክኸዉን ኣለዎ ከምእ'ዉን ብእተኻእለካ መጠን ዘይቀያየርን ክትከብሮ ኣለካ።

ሕጋዊ ተወካሊ ስለ ዘይብልካ ክትዛዝሞ ከም ዘይትኽእል ኢልካ ንዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ክትምልሰሉ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ደረት ግዜ ከናውሕዎ ወይ ክኣልዩዎ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

8 of 22

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዕቝባ ዝጠየቅካሉ ምኽንያት ብዝርዝር ንዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ክትነግሮ እትኽእለሉ ኣጋጣሚ እዩ። ብኣካል ወይ ብስካይፕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጽሑፍ እኳ እንተ ዘየለ ብዛዕባ ዕለታትን፣ ግዜያትን፣ ሰባትን ግን ክትሕተት ትኽእል ኢኻ። ታሪኽካ ብንጹር ክትነግሮ ፈትን፣ ግድን ብመስርዕ ግዜ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ዝርዝር ነገራት ኣይትገምት። ብዛዕባ እቲ እትዝክሮን ዘይትዝክሮን ነገራት ንጹር ከም ዝዀንካ ኣረጋግጽ። ነዊሕን ዜሰምብድን ኪኸውን ይኽእል እዩ ። እትፈልጦም ሰባት ቅድሚ እቲ ቓለ መጠይቕን ድሕሪኡን ከዘራርቡኻ ድሉዋት ዝኾኑ ይሃልዉኻ።

ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ ኣቐዲምካ ከተንብብን ክትምርምርን ነተባብዓካ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

9 of 22

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

ድሕሪ እቲ መሰረታዊ ቓለ መጠይቕካ፣ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ውሳነ ክግበር ይከኣል እዩ። ንጽብሒቱ ክኸዉን ይኽእል ኢዩ ወይ ከኣ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንነዊሕ እዋን ምጽባይ ተዳሎ።

ውሳነ ቕድሚ ምውሳኑ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ተወሳኺ መርትዖን ተወሳኺ ሓበሬታን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ መርትዖ ንምቕራብ ዝያዳ ግዜ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፣ ቃለ መጠይቕ ኣብ እትገብረሉ እዋን ምስቲ ቓለ መጠይቕ ዚገብረልካ ብዓል ስልጣን እዚ ክትመያየጥ ኣሎካ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

10 of 22

ናይ ስደተኛ መለለዪ ወይ ናይ ሰብኣዉነት ዕቝባ ምሃብ ጥያቀ ዝቀረበ ቅድሚ 28 ሰነ 2022

ቅድሚ 28 ሰነ 2022 ጥያቀ እንተ ኣቕሪብካ እሞ ዕዉት እንተ ዀይኑ ከኣ፣ ናይ ስደተኛ መለለዪ ወይ ናይ ሰብኣዉነት ዕቝባ ክትወሃብብ ትኽእል ኢኻ፥

  • ን5 ዓመት ክትጸንሕ ፍቓድ ኣሎካ
  • ኣብ መወዳእታ ናይቲ 5 ዓመት ስምምዕ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ (ግና ፍቓድካ ቕድሚ ምውዳኡ መመልከቲኻ ከተረክብ ኣሎካ)
  • ክትሰርሕን፣ ክትመሃርን ረብሓታት ኽትጥይቅን ትኽእል ኢኻ
  • ነቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣብ ዩከይ (UK) ምሳኻ ንኽነብሩ ክመጹ ኽትምወል ትኽእል ኢኻ

ንኽትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ፣ ደገፍካ ኣብ 28 መዓልቲ ውዑሉ ክውድእ እዩ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

11 of 22

ስደተኛታት ንክጸንሑ ፍቓድ

ጥያቀ ዝቀረበ ብ ወይ ድሕሪ 28 ሰነ 2022

እዚ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት እዩ፥

  • ከም ስደተኛ ተፈሊጥካ
  • ን5 ዓመት ክትጸንሕ ፍቓድ ኣሎካ
  • ኣብ መወዳእታ ናይቲ 5 ዓመት ስምምዕ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ (ግና ፍቓድካ ቕድሚ ምውዳኡ መመልከቲኻ ከተረክብ ኣሎካ)
  • ክትሰርሕን፣ ክትመሃርን ረብሓታት ኽትጥይቅን ትኽእል ኢኻ
  • ነቶም ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣብ ዩከይ (UK) ምሳኻ ንኽነብሩ ክመጹ ኽትምወል ትኽእል ኢኻ

ንኽትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ፣ ደገፍካ ኣብ 28 መዓልቲ ውዑሉ ክውድእ እዩ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

12 of 22

ካልእ ናይ ዕቝባ መለለዪ ፍቃዳት

ጥያቀ ዝቀረበ ብ ወይ ድሕሪ 28 ሰነ 2022

ናይ ስደተኛታ ፍቓድ እንተ ዘይተዋሂቡካ፣ ኻልእ ክልተ ዓይነት ፍቓድ ክወሃቡኻ ዝኸኣል ኣለዉ፦

  • ግዝያዊ ፍቓድ ስደተኛ
  • ዕቝባ ሰብኣውነት

ኣብ ክልቲኡ መዳያት፣ ን2.5 ዓመት ክትጸንሕ ፍቃድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ሽዑ እዉን ብቑዕ እንተ ዄንካ ነዚ ንምንዋሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ 10 ዓመት፣ ኣብ ዩከይ (UK) ኣብ ትሕቲ እቲ 'ነዊሕ ምቕማጥ' ዝብሃል መስመር ንኽትነብር ከተመልክት ኣሎካ።

ንዝተወሰነ እዋን ኽትጸንሕ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ ደገፍካ ኣብ 28 መዓልቲ ውዕሉ ክውዳእ እዩ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

13 of 22

ኣሉታዊ ውሳነ

ምንጻግካ ይግባይ ናይ ምባል መሰል እንተ ኣልይዎ ዝነግረካ 'ምኽንያታት ናይ ምንጻግ' ደብዳበ ክትቅበል ኢኻ።

'ንጹር መሰረት ዘይብሉ' እንተ ኢሉ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ

መመልከቲኻ ዋላ እኳ እንተ ተነጽገ ፍቓድ ንእተወሰነ ግዜ ኽትጸንሕ ክትወሃበሉ እትኽእል እተወሰነ ሕግታት ናይ ስደት ኣሎ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

14 of 22

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ልሙድ ኣሰራርሓ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office)

(ዝከኣል ኣፈናዊ ሕቶ)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ ዕቝባ

ካልእ መለለዪ ፍቃዳት

ዋላ እውን መመልከቲኻ እንተ ተነጽገ ንኽትጸንሕ ዝፍቀደልካ እተወሰነ ሕግታት ናይ ስደት ኣሎ። እዚኦም ከኣ፥

  • መሰነይታ ዘይብሉ ዕቁባ ዝደሊ ቈልዓ (Unaccompanied Asylum Seeking Child Leave፣ UASC) ነቶም ትሕቲ 171/2 ዝዕድሚኦም ቈልዑ። ኣብ መስርሕ ብድሆ ፍቃድ ወትሩ ናይ UASC ንምጽናሕ ምኽሪ ድለ
  • Discretionary Leave (ኣድላዪ ኣብ ዝኮን ዝወሃብ ምጽናሕ) ነቶም ፍልይ ዝበለን ዘደንግጽ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ንኣብነት ሕክምናዊ ጕዳያት ወይ ዘይሕጋዊ ምሻጥን
  • Restricted Leave (ቀይድ ዘለዎ ምጽናሕ) ነቶም ብሰንኪ እቲ ዝፈጸምዎ ተግባራት ንኣብነት ገበን ውግእ መለለዪ ስደተኛታት ወይ ሰብኣውነት ዕቝባ ክረኽቡ ዘይተፈቕደሎም ሰባት ንሓጺር እዋን ምጽናሕ
  • Family and Private Life (ስድራ ቤትን ብሕታዊ ህይወትን) ምስ ዩከይ (UK) ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ስድራቤት ወይ ናይ ብሕቲ ህይወት ጥያቀ ከተቅርብ ትኽእል ኢኻ

15 of 22

መስርሕ እቲ ይግባይ

ይግባይ ናይ ምባል መሰል

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ንምባል ነቲ ቀዳማይ-ኣርከን ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሕተቶ

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ንምባል ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሕተቶ

ምንጻግ ወይ ፍቃድ ምሃብ መለለዪ

ይግባይ ኣብ

ቀዳማይ-ኣርከን ቤት ፍርዲ

(HO ይግባያት እንተ ዘይኮይኑ)

ሓድሽ ጥያቀ ክህሉ ይኽእል

እተፈላለየ ውጽኢታት፣ ኵሉ ኣወንታዊ ኣይኰነን

ምንጻግ ወይ ፍቃድ 'ዝነኣሰ' ምሃብ

ካልእ ፍቃዳት መለለዪ፥

  • ዕቝባ ሰብኣውነት
  • UASC ምጽናሕ
  • Discretionary Leave (ኣድላዪ ኣብ ዝኮን ዝወሃብ ምጽናሕ)
  • Restricted Leave (ቀይድ ዘለዎ ምጽናሕ)
  • Family Leave (ስድራቤታዊ ምጽናሕ)

ይግባይ ተሰሪዙ

መሰላት ይግባይ ተወዲኡ

ይግባይ ኣብ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

?

16 of 22

መሰላት ይግባይ ተወዲኡ

ወላሓንቲ ይግባይ ናይ ምባል መሰል እንተ ዘይብልካ፣ መሰላት ይግባይካ ተወዲኡ እዩ። እዚ ድሕሪ እቲ ናይ ቀዳማይ-ኣርከን ቤት ፍርዲ ኣብ ዝዀነ ይኹን ደረጃ ኺፍጸም ይኽእል እዩ።

መሰላት ይግባይካ ምስ ተወድአ፣ ብጀካ ውሉዳት እንተ ኣሊካ ደገፍን መሕደርን ዑቅባኻ ኣብ 21 መዓልቲ ደው ክብል እዩ።

ምናልባት ክትእሰር እዉን ትኽእል ኢኻ። እዚ ከጋጥም ድማ ተዳሎ።

  • ጸብጻብ ክትህብ ከለኻ ናይ ለይቲ ዘድልየካ ነገራት ዝሓዘ ቦርሳ ውሰድ
  • ወረቐትን ኤለክትሮኒካዊ ቕዳሓት ናይ ብምሉኡ ሰነዳትካን መርትዖታትካን ሓዝ
  • ኣገዳሲ ቝጽርታት ተሌፎን ምሳኻ ሓዝ

ይግባይ ኣብ

ቀዳማይ-ኣርከን ቤት ፍርዲ

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ንምባል ነቲ ቀዳማይ-ኣርከን ቤት ፍርዲ ፍቓድ ሕተቶ

ዕቁባ ተነጺጉን መሰላት ይግባይ ተወዲኡን

17 of 22

ሓድሽ ጥያቅ ምጥያቅ

ሓድሓደ ግዜ ተወሳኺ መረከብታ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር፣ እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ቅድሚ ሕጂ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሓድሽ መርትዖ ወይ ሓድሽ ኵነታት ክህልወካ ኣለዎ።

ጽቡቅ ተወሳኺ መረከብታት መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ሓደ መርትዖ ይሕዝን ነቲ ናይ መጀመርታ ሕቶኻ ስለምንታይ ከም እተኸልከለ ድማ ክገልጽን ኣለዎ። ነቲ መርትዖ ስለምንታይ ኣቐዲምካ ኸም ዘየቅረብካዮ እውን ክትገልጽ ኣሎካ።

ተወሳኺ መረከብታት ብሕጋዊ ተወካሊ ኢዩ ዝበለጸ ዝግበር ወይ ነቲ ሓድሽ መርትዖኻ ከተባኽኖ ትኽእል ኢኻ።

ሓድሽ ጥያቀ ክህሉ ይኽእል

ኣብ ሕማቕ መጐተ ተወሳኺ መረከብታት ምእታው ኣብ መጻኢ ንቦታኻ ኼጋድዶ ይኽእል እዩ።

18 of 22

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ

ደገፍ ዕቁባ

19 of 22

ደገፍ ዕቁባ፥ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ኣብዚ ጀምር

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ናብ ግዜያዊ መንበሪ ግዓዝ

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ንክጸንሕ ፍቃድ እንተ ተዋሂብካ ደገፍ ድሕሪ 28 መዓልቲ ደው ክብል ይኽእል እዩ

ይግባይ

ይግባይ ናይ ምባል መሰል የለን

ይግባይ ዕዉት ኢዩ

ይግባይ ተነጺጉ

ቆልዑ ዘይብካ በይንኻ እንተ ዀይንካ�ደገፍ ዕቝባ ድሕሪ 21 መዓልቲ ዉዕሉ ክውዳእ ይኽእል ኢዩ።

ቆልዑ እንተ ኣልዩካ ናይ ክፍሊ 95 ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

ሓድሽ ጥያቀ ክህሉ ይኽእል

ደገፍ ተፈቂዱ �ናብ መንበሪ ዕቕባ ግዒዝካ ካርድ ASPEN ካ ዉሰድ።

ደግፍ ተቋሪጹ ኢዩ �ኣባይትን ገንዘብን ኣይክትረክብን ኢኻ። እንደገና ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናብ ናይ ፈለማ መንበሪ ግዒዝካ ደገፍ ንምርካብ ኣመልከት (ክፍሊ 95)

ናይ መጀመርታ ውሳነ

20 of 22

ኣብቲ ናይ መመመዪ ቓለ መጠይቕካ ደገፍ ክወሃበካ ምሕታት

ነቲ ቓለ መጠይቕ ዝገብረልካ ሰብ መሕደሪ ኸም ዜድልየካ ንገሮ ከምኡ'ዉን ዝኾነ ህጹጽ ዘድልየካ ዘበለ ነገር ድማ ንገሮ

ንዅሉ ንብረትካ ናብቲ መመመዪ ቃለ መጠይቕካ ወሲድካ ዘድልየካ ቝጽርታት ኣድራሻታት ጽሓፍ።

እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ነቲ ዘቕርብካዮ ጥያቀ እንተ ቐጺሉዎን ደገፍ ዕቁባ ከም ዜድልየካ እንተ ተቐቢሉዎን፣ ናብቲ ናይ መጀመርታ መንበሪ (ክፍሊ 98 ደገፍ ተባሂሉ እውን ዝፍለጥ) ከግዕዙኻ እዮም

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

21 of 22

ናይ ነባሪ ደገፍ ንምርካብ ምምልካት

ናይ ስእነት ፈተና ኽትሓልፍ ኣሎካ እኹል መሕደሪ ኸም ዘይብልካን ነቲ ዜድልየካ ነገራት ከተማልእ ከም ዘይትኽእልን ድማ ከተርኢ ኣሎካ። እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት (Home Office) ብዛዕባ ንብረትካ ክሓትተካ፣ ደገፍ ዜድልየካ እንተ ዀይኑ ንምግምጋም ክረዲት ካርድን ካልእ ቸክን ክምርምር እዩ።

ኣብ ዩከይ (UK) ኣብ ቀረባ እዋን መጺእካ እንተ ዄንካ መሕደሪ ምርካብ ይኸብደካ እዩ። ናይ ክፍሊ 95 ደገፍ እንተ ተዋሂቡካ፣ ካብ ለንደን ወጻኢ ናብ ዝርከብ መንበሪ ዕቁባ ክትግዕዝ ትኽእል ኢኻ ከምኡ'ዉን ካርድ ASPEN ድማ ክወሃበካ እዩ።

መመልከቲኻ እንተ ተነጺጉ፣ ከም እንደገና ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ናብ ግዜያዊ መንበሪ ግዓዝ

ናብ ናይ ፈለማ መንበሪ ግዒዝካ ደገፍ ንምርካብ ኣመልከት (ክፍሊ 95)

22 of 22

ናይ ዕቝባ ጥያቀ ኣቕርብ

ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ

ድሕሪ እቲ መሰረታዊ ቓለ መጠይቕካ ደገፍካ እንታይ እዩ ዝኸውን?

ድሕሪ እቲ መሰረታዊ ቓለ መጠይቕካ ናይ መጀመርታ ውሳነ ክትወሃብ ኢኻ። እንድሕር 'ንኽትጸንሕ ፍቓድ' እንተ ተዋሂቡካ ደገፍካ ድሕሪ 28 መዓልቲ ደው ክብል ይኽእል እዩ።

ካብቲ እቲ ናይ መመመዪ ቃለ መጠይቕ ወጻኢ፣ ምስ ደገፍ ዕቁባ እተተሓሓዘ ምይይጥን መመልከቲታትን መብዛሕትኡ ግዜ በቲ Migrant Help (ሓገዝ ስደተኛታት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዉድብ ኢዩ ዝግበር። ምእንቲ ክሕግዘካ ምስተን ኣብ ከባቢኻ ዝርከባ ትካላት ግብረ ሰናይ እውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ ግዜያዊ መንበሪ ግዓዝ

ናብ ናይ ፈለማ መንበሪ ግዒዝካ ደገፍ ንምርካብ ኣመልከት (ክፍሊ 95)

መሰረታዊ ቓለ መጠይቕ

ናይ መጀመርታ ውሳነ

ጥያቀ ዕቁባኻ እንተ ተነጺጉ፣ ብጀካ ቆልዑት እንተ ኣለዉኻ እንተዘይ ኮይኑ ድሕሪ 21 መዓልቲ ደገፍካ ደው ክብል እዩ።