መምልኢ ቅጥዒ ንተሳተፍቲ 2ይ ዓለም ለኸ ፊሴቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ 2011

ክቡራትን ክቡራንን ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን!!
-----------------------------------------------------------------------------------------------------------
“ሓድነት ዲያሰፖራ ተጋሩ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ!! ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 2ይ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ ካብ 24-30 ሓምለ /2011 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ሰሜናዊት ኮኾብ ከተማ መቐለ ብዓይነቱን ብወድዓዊ ትሕዝትኡን ብዝደመቐ ኣገባብ ንምስላጥ ምድላዋት ይዉገኑ ኣለዉ።

መለእ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ልምዓት ክልልኩም ብሙሉእ ድሌትን ዓቕምን ኣብ ምብራኽ ትግራይ ግቡእ ተሳትፎኹም ከምእተረጋግፁ ከምኡ ዉን ልምዓት ክልልና ንረብሓ ዲያስፖራ ተጋሩ ሒዙ ክስጉም፣ ልምዓትና ነዊሕ ርሕቐት ክጓዓዝ ከምዝኽእል መንግስትኹም ብፅኑዕ ይኣምን፡፡

ዲያስፖራ ተጋሩ ምስ መንግስትኹም ብምዃን ኣብ ጉዳይ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሑስ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ዘለዉ ብድሆታት እዉን ሓድነትኹም ብምስጣም ክትቓለሱ መነባብሮ ህዝብኹም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእሉ ዉሳነታት ንምትሕልላፍ ቖፆሮና 2ይ ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ ይኹን፡፡

ዲያስፖራ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ትማሊ ኣብ ዕጥቓዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ መስተንክር ዝሰርሐ ሓቦን ተወፋይነትኩም ሎሚ እውን ትግራይ የድልያ፤ ትግራይ ትፅወዐኩም ኣላ ሞ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓትን ሰላምን ህዝብኹም ዓቕምታትኹም ብምውዳድ ንትግራይ ኣለናልኪ ንበላ፡፡

ንደሃይ ትግራይ እወንታዊ ምላሽ ብምሃብ ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ዲያስፖራ ተጋሩን ፈተዉቲ ትግራይን ኣብዚ ዝሳለጥ ፌስቲቫል ከምተሳተፉ መንግስትኹም ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡ ብምኻኑ ድማ ንሓፈሻዊ ምድላዋትን መርሃ¬‐ግብርን እቲ ፌስቲቫል ዝሕግዝ እዚ ስዒቡ ዘሎ ቕጥዒ ብምምላእ ክትምዝገቡ ብትሕትና ንላቦ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ
1. ኣይተ ፍሰሃየ ኣለማዮ : ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ዲያስፖራ
ስልኪ: +251914700843:
ኢ-ሜይል: fishaye_alemayeh@yahoo.com


2. ኣይተ ፊልሞን ደረስ
ስልኪ: +251945513779
ኢ-ሜይል : phildermom@gmail.com


ዌብሳይት - www.tig-gpr.org
ፌስቡክ ፔጅ - Tigray Diaspora2011,
Tigray Communication Affairs Bureau የማኽሩ/የማኽራ!!


“ሓድነት ዲያሰፖራ ተጋሩ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ!!”

Email address *
ናይ ፓስፓርት ኮፒ /Upload Passport Copy *
Required
Next
Never submit passwords through Google Forms.
This content is neither created nor endorsed by Google. - Terms of Service