Request edit access
አበካቶ(Abecato)
"ህዝቢ ንምድሓን ስቅታ ምቅታል"

ዲክታቶራውያን ስርዓታት አብ ነብሶም ምትእምማን ስለዘይብሎም ንህዝቦም ምጭፍላቅ ከም ንብርዮም ዝወስድዎ። አብ ኤሪትሪያ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግድፍ ውን ከምኦም’ዩ ። ህግደፍ ካብ ካለኦት ውልቀመለኽቲ ፍሉይ ዝገብሮ እንተሎ ደረት አልቦ ዝኾነ ጭካንኡ’ዩ። እዚ ደረት አልቦ ጭካነ ህግድፍ አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትሪያ አብ ኩሉ መዳያት ን26 ዓመታት ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን አቀቜሪጽ አይፍልጥን። ከም መቐጸልታ ጭካንኡ፣ ሕጂ’ውን ተኾነ ጎነጻዊ አታሓሕዛ ት’ስርዓት፣ ብ31 ጥቅምቲ 2017፣ ብተማሃሮ መድረሰት አልዲያእ አብ ዝተላዕለ ‘ብናዕቢ አኽርያ ዝፍለጥ’ ህዝባዊ ናዕቢ ተደጊሙስ ዓለም ምሉእ ኣዛሪቡ እዩ። ከምውጽኢቱ ድማ ልዕሊ 90 ዓመት አቦን ልዕሊ 80 ዓመት አደን ዝርከበኦም አመሓደርቲ ታቤት ትምህርትን፣ ተማሃሮን ቖልዓ ሰብይትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ንጹሃን ዜጋታት አብ ፍቀቖዶ ቤት ማሕቡስ ዳጉኒዎም ይርከብ እዚ ጥራይ ከይአክል፣ ምስዞም ተማሃሮ ይዳናገጹ’ዩም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ብዙሓት ደቂ አኽርያን ከባቢኣን ተተጨውዮም አብ ፍቐዶ ቤት ማሕቡስ ተደርብዮም አለዉ። እምባአርከስ፣ ስርዓት ህግደፍ፣ እዚ መጭወይትን፣ አብ ፈቕዶ ጎዳጉዲን፣ ሸለታትን ምድጓን፣ ክገብሮ ዝጸነሐን ዘሎን፣ ክሳብ ታሓግሒጉ ዝጠፍእ፣ ክቕጽሎ ምዃኑ ስለንፈልጥ፣ ነዞም ኣፎም ዝተዓበሱን ድምጾም ከስምዑ ዘይክእሉ፣ ገበን ዘይብሎም ንጹሃን ደቒ ሃገር ኣፍ ክንኮኖሎም መሪጽና አሎና። መርበብና፣ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞምን ንዝፍጽሞም ዘሎ ግህሰት ሰብአዊ መሰላት ብሓፈሻን ንምጥባቅ ዝቀቖመት ምስ ምትሕብባር ጀበርቲ ደይ ሚድያ ግሩብ ኮይና ነዚ እዋናውን ዝሓለፈን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ማለት ግዳያት ኣኽሪያን ካልኦትን ኣቶኪራ ዳሃዮም ክተቃልሕ እያ።
’ኣበካቶ’ ካብ ’ኣቮካቶ’ ዝብል ናይ ጣልያን ቃል ምስ ግዜ ናብ ቜንቜ ትግርኛ ዝተቐየረት ቓል ኮይና፣ ትርጉማ’ኻኣ ’ምጥባቕ’ ማለት’ዩ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ መርበብ ’ኣበካቶ’ ኣስማት ናይ ብዙሓት ምስዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣኽርያ ዝተታሓሓዘን ካልኦት አብ ቤት ማሕቡስ ዝባድሙ ዘለዉ ደቒ ሃገር ሰኒዳቶ ስለዘላ። ድምጾም ናብ ምሉእ ዓለም ምእንቲ ክስማዕ ድማ ካብ ሎሚ ጅሚርና ከክምኣድላይነቱን፣ ብብእብረን ከነቓለሖ ምኳና ንሕብር።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ናይ ኩሎም እትፈልጥዎም ኣስማት እሱራትን፣ ኩነታተኦምን (ማለት— ምሉእ ሽሞም፣ ዕድሚኦም፣ ገዛውቶም፣ ስርሖም፣ ቤት ትምህርቶም፣ ዝተሓየርሉ ማዓልትን፣ ቤት ማሕቡስሙን) ክትሰዱልና ብትሕትና ንሓትት። አብ መጨረሻ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ብሰንኪ እቲ ጨካን ስርዓት፣ ካብ ኤሪትሪያ ሓበሬታ ምውጻእ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ። መንም’ኴ እቲ ዝግባእ ጥንቓቐ እንተገበርና ገለ ኣስማትን ሓበሬታን ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብሎ ምስ መረጋገጺኡ ብ ኢመይልና ክትልእኩልና በዚ ኣጋጣሚ ንሕብረኩም።
መርበብ ኣበካቶ
abecatto@gmail.com

ምሉእ ሽም (Full name) *
Your answer
ዕድመ (Date of Birth)
MM
/
DD
/
YYYY
ስራሕ/ቤት ትምህርቲ ( Occupation/School
Your answer
ገዛውቲ (Neibourhood Name)
Your answer
ዝተኣስረሉ/ረትሉ ዕለት
MM
/
DD
/
YYYY
ተኣሲርሉ/ረትሉ ዘሎ ቦታ (Name of the prison)
Your answer
Submit
Never submit passwords through Google Forms.
This content is neither created nor endorsed by Google. Report Abuse - Terms of Service - Additional Terms